click here for PDF file

ውርደት ይብልኹም ከምዚ’ዩ::

እዛ መዓልቲ’ዚኣ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሉ ሕሉፍን ህልውን ፍጻሜታት ከተርእየኒ ስለዝኸኣለት ከምዋዛ ክሓልፍ ኣይተቐሰብኩን: ካብ ዝተቐመጥክዎ ቦታ ዋላ ንሓንሳብ ከይተንሳእኩ ድማ ብዝኽሪ ሓሳብ ኔውነጅው ክባዝን ውዒለ:: ኣብቲ ፍጻሜ ሓዘን ክሓዝን ኣብቲ ዋዛን ውኻዕታን ዝነበረሉ ህሞት ከኣ ብመንፈስ ምስኦም ተጸንቢረ ክዋዚ ግዜ ሓሊፉ ግዳ ከምዚ ከማይ ሓንሳብ ዝይኮንስ እናሻዕ ዝሓዝኑ መተሓዝንቲ ካዕበት ዝቁጽሮም ደቂ ሃገር ስለዘለውኒ ነታ ብሓባር እንምነያ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገር ክሳብ እንረኽባ ከየባተኽኩ ክሰምሮም ወሲነ::

እዚ ህዝቢዚ ኣብ ድቕድቕ ጸላም ብርሃን ናጽነትሪኡ ዝሳገመ ኣብ ዝጭበጥ ቀዳማይ ዓወት ናጽነት ዝበጽሐን ነቲ ካልኣይን ንሓዋሩ መስተርሆት ዝፈጥረሉ ዲምክራሲ ዝሰፈና ልኡላዊት ሃገር ንምምስራት ዝጸዓረን’ዩ:: ነገር ግን ድሕሪ ውሱን ስጉሚ ዝነበሮ ተስፋ ከሲሙ ሓሳብ ቅትሩ ጻዕሪ መዓልቱ ሕልሚ ለይቱ ክኾኖ ምስ ጀመረ ስምባደ ኣይብልዎ ሓዘን ኣብ ከብዱ ኣቲዎ::

ድሮ ናደው 12/3/1987 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ተዛዚሙ ውጽኢቱ ክንገር እንከሎ ይዝከረኒ ህዝብን ተጋዳላይን ንውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ዝነበሮ ቅሩብነት ንላዕሊ ከምልኾ:: እቲ ከመይ ኣብ በረኻ መሰረት ህዝባዊ መንግስትን ሕብረሰልፋዊ ስርዓትን ንዳግማይ ብዘየማትእ ንጹር መንገዲ ኣብ ቻርተሩ ስለዘስፈሮ:: ሽዑ ክኣ’ዩ ንመራሕቲ’ቲ ውድብ ዝያዳ ኻድኣ ንዋና ጻሓፊ ’’ተስፋ ኣፍሪቃ ኣርሒቁ ዝጥምት በጃ ህዝቢ ዝሓልፍ ናይ ዓለምና ኣርኣያ ወዘተ’’ እናተባህለ ቅጽል ኣስማት ዝተዋህቦ::

ውጽኢት ጉዕዞ ገድሊ ብግብሪ ይንጸባረቕ ምንባሩ እዝን ካልእን እንተበልና ዘሰክፍ ኣይነበረን:: ዕለት ተቆጺሩ ብዝገርም ሕምባበ ክቡር ደም እናተከፍለ እታ እትድለን ኩሉ ዜጋ ዝብህጋን ናጽነት መጺኣ:: ኪኖ ዚዩ እምብኣር እቲ ጸገም መጺኡ:: ተጋዳላይን ህዝብን ሓንቲ ካልኢት ከይጠርጠሮም ንዘምጽእዎ ሓድሽ ምኽንያት ከይነጸገ ነታ ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ እትብጽሖ መሬት ዓደቦ ብዝመስሎም መንገዲ ከኺድዋ ዕድል ሂቡ እዚ ይመጻና ከይበልና ድማ ምዓልቲ እናክቑጸር ገቢሎም:: ትዕቢት ብድዐ ዝመልኦ መደረ ብዘይግዝኣተ ሕጊ ብዝመችኦም እናፈረዱን እናጎመዱን ዝስውዱ ሰብ መዚ ሰሲኖም:: ዓዲ ኸኣ ጻንታ ኣትሪፎማ::

ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ዘመነ ስልጣኔ ዘመነ መሳፍንቲ ያኢ ክኸስቱ ሰበይ ሰብካ ነጊሱ ንሶም እዞም ንፈልጥ ኢና በሃልቲ ብዘርሓብዎ ጋግ ተጠቒሙ ሸውዓተ ወለዶታት ተቖጺሩ:: ጅነራል እከለ ሓውና ሚኒስተር እከለ ወዲ ሩባና ዝብል ሕማም ኣብ ኤርትራ ከንግሱ ግዜ ኣይወሰደሎምን:: ንሶም ዝኽእልዎ’ዮም ገሮም:: ከምቲ ’’ኣፍሲ ምልኣት ስቢ’ያ እትዛረብ’’ ዝብሎ ቅዱስ ቃል ኣበርክትኦም ኣብ’ቲ መዋእል መከራ ብዝገበርዎ ኣስተዋጽኦ ኣብቂዑ ንሶምን ካልኦትን እንሕበነላ ሃገር ብውኖ እትድህሰስ ሲንጋፖር ንምህናጽ ኩሉ ሓደ ኣብ በቦትኡ እንተዝኣቱ እዚ ኹሉ ውርደት ኣምበይ ምመጸን: ኣምሳይኡ ግና ብሰሪ’ዚ ርእሲ ኮይኑ ዝቕልስ ዘሎ መራሕ ሃገር ናቱ ጃንዳ ክፈጥር ለይትን ቀትርን ከይደቀሰ ንኹሉ ግዲ ከይገበረ ብጹኣን ዝኮኑ መጋድልቱን መሳርሕቱን ሰብመዚ ብሓንቲ ረፍዲ ወጊኑ ንዝደልዮም ኣሜን ኢሎም ዝኸዱ ሓቑፉ ተኣምር ክሰርሕ’’ክሳብ ንላመድ ሕደጉና’’ ብዘስምዕ ቃና ኢንትኦም ከይፍለጥ’’ደርጊ ዝሓደጎ ብልሽው ምሕደራ’’ እናተባህለ ምጽንጻል ሰራሕተኛታትን ካልእ ክዑብ መደረን ክቕጽሎ ሪኢና::

ይኹን እንበር’’ተሓቢአን ይጠንስኦ....’’ ከምዝብልዎ ኤርትራ በቶም ምእንቲ ፍትሒ ህዝቦም ዋጋ ዝኸፈሉ ደቃ ከይትኽሰስ ጾር ዘኽበዱ ሰብ ሕድሪ 20 ግንቦት 11 ሓምለ 18መስከረም’’እሕሕ’’ ክብሉ ተራእዮም:: ሻቡ በብግዚኡን ርእሰቢሄር ብልሙጽ ልሳን ግናኸ ስንባዲኡ ውሑጡ’’ድንክል በለ’ምበር ኣይተካዕወን’’ ብዝብል መደረ መድሎ ክሳብ ዝረክብ ኩነታት ክሳብ ዝሃድኣሉ ብምጽባይ ከምኣመሉ ኣማስያ ጸላም ከደኖ ኣብ ጉድጋድ ዝሽመሞም ጥዑያትን ስንኩላትን ተጋደልቲ ህያው መሰኻኽር ተግባር የእዳዎም’ዮም::

እቲ ዝስደምም ንነፍሲ ወከፍ ፈተነ ፍትሒ’’ሕንቂቆም’’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎ ምኽኒት ኣብ ርእሲ ምኽኒት ብምድርዳር ብዋጋ ሰባት ነገሮም ከዐርዩ ክንደይ ዘይደኸሙ ዘገርም ነገር ኣበየናይ ኩርናዕ ዓለምና ዘይተራእየ ሕድገት ካብዚ ጭዋ ህዝቢ ከይተንርፍጎም ዓመታት ብልምምድ ምቑጻሮም’ዩ:: ናብራ ህዝቢ ካብ ሕሰም ናብ ዓጸቦ ኣበየ ዕለቱ እናተቐየረ ክንሱ’’ያእ ደግዎም’ዞም ደቅና ይፈትኑ እዚኻ ንሶም ኮይኖም’’ ብምባል ንሕመቆም ሓንቲ ለይቲ ከይሓሰበ እዛ ውቅብቲ ሃገር ካብ ዘመነ መግዛእቲ ብዝኸፍአን ብብዙሕ ሚእታዊት ከተንቀልቁል ህዝቢ ኣማስያ ንውሽጢ ንደገ ክተፍኦም ዓይኒ ዘለዋ ሪኡ እዝኒ ዘለዎ ሰሚዑን ይሰምዕ ኣሎን::

ሓደ ገዲፈ ሓደ ክትንክፍ ግድን ኮይኑኒ ምምስራት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንህዝቢ ኤርትራ ሓደጋ’ዩ ኮይኑዎ ንዝተባእሱ ሰብ ሓዳርን ንዝተዘረፈ ንብረትን ሰበብ ብልሽውና ተጠቒሞም ነቲ ስውር ፓለቲካዊ ጥሙሖም መጋበርያ ጌሮሞ:: ስርዓተ ሕጊ ሰበይ ሰብካ ክብሪ ዕዳጋ ዘይልከፍ ኮይኑ:: ተወሊደላ ንዝብል ኩሉ ሓዘን ድራሩ ጌሮሞ::

ዛጊት ካብ ኮፍ ዝበልክዎ እንከይተሳእኩ ንገለ ፍጻመታት ግፍዒ ብዕለቱን መዓልቱን ዘይረዮ:: ሓቂ ዝመሰረቱ ህዝቢ ሓሶት ዝሰርሑ ቃል ዘየክብሩ መራሕቲ ወሊዱ:: ህዝቢ ኤርትራ ብኣፈሙዝ ናተይ ዝብሎም ዓበይቲ ደቁ ሂወት ንኣሽቱ ውላዱ ስኢኑ ኩናት ኢትዩ ኤርትራ ዘግሃዶ ሓቂ እንተሎ እምብኣር እዚ’ዩ:: መንቀሊ’ቲ ግጭት ንዓይን ከምዚ ከማይን ሚስጥር ስለዝኾነ ንግዜ ሓዲገ ንሱ ዘግሃዶ ሕቡእ ክስተት ግና ከብርህ ክፍትን’የ::

ኣብ 1987 ዋና ጸሓፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ሎስኣንጅሎስን ካሊፎርንያን ዘካየዶ ህዝባዊ ቃለ መሕተት ገለ ካብኡ ከምዚ’ሉ ክምልስ ይዝከረኒ:: ’’ሓይልኻ ክብርካ ክሳብ ዝሕልወልካ ተዘይተጠቒምካሉ ኪንኡ ምኻድ ንሕስረት’ዩ’’ ኢሉ ኔሩ:: ብሓቂ ኣብ እዋኑ ልቢ ሰባት ዝዝንን መደረ ሂቡ መንቀሊ እዚ ኩናት ሕጂ ውን ንግዜ ሓዲገ ኣብ መስርሕ እቲ ግጭት ዝነበረ መደረ ርእሰ ብሄር ግና ብኸፊል ክትንክፍ’የ::

ንሰነዳት ውዕል ሰላም ኣሜሪካን ርዋንዳን ዘይምቅባል: ክቡር ዋጋ ኣብ በረኽትን ጎላጉልን ምስተከፍለ ግና ’’ብኽብረት ኣቢክን ብሕስረት’’ ከምዝብሃል ማዕጽኦም ካሕኪሕካ ተቐቢልናዮ ኣሎና ምባል ሳዕቤኒ ርኢና:: ንግሆ ንግሆ ጥዑይ ኣእምሮ ኣለኒ ዝብል ዘየፍልቆ መደረ ሰኸም ህዝቢ ዘለዎ መራሒ ዘየውጽኦ መግለጺ ’’እንተደሊኹም ክራማት ከይኣተወ ንፈታተን’’ ንሰላም ክቡር ዋጋ ምክፋል ነውሪ ተወሲዱ’’ካብ ባድመ ወጺና ማለት ጽሓይ ዓሪባ ማለት’ዩ’’ ዝብል ቅድመ ኩነት ዝተሓወሶ ሓረገ ቃላት ንመላእ ዓለም ኣብ ሓደ ረፍዲ ተዘርጊሑ::’’እንተዋዓየካ ብማንካ እንተዘሓለካ ብኢድካ’’ ከይከውን ነገሩ ’’ዋላ ይውዓየና ብኢድና ጥራሕ ንኣኽሎ’’ ተባሂሉና:: ኣበይ ድኣ ኣሎ እቲ ውሕሉል ወተሃደራዊ ጥበብ ናበይ ድኣ ከይዱ እቲ’’ውሕድ ዝቁጽርና ብረብሓታ ክንዲ ንዙሕ ከነስርሖ ኢና’’ ዝተባሃለሉ::

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ዝኽረይ ዝኽሪ ኩላህና ምኻኑ እናዘከርኩ ይጽሕፍ ምህላወይ ኣይዘንጋዕኩን ኩላህና እንፈልጦ ሓቂ ድማ’ዩ:: ካብ ኩሉ ዝሕዝን ናይቶም ህዝቢ ወኪሉናዩ ኢሎም ኣብ ፈቐዶ ብዓላት ብዘግይጽ ኣልባስ ኣብ ጎድኒ ፕረስደንት ኮፍ ኢሎም ከጣቕዑ ዝረኣዩ ሰብመዚ’ዩ መስደመም:: በይናዊ መግለጺ እንተውጽኦ ጣቕዒት ዝመሰሎ እንተገበረ’ውን ኣምባይ ክዛረቡስ ናይ ሕማቓት ዕዝምታኻ ከየርኣዩ ግዚኦም ሓሊፉ ውድቀቶም በጺሑ እነሀ:: ምዝንጋዕ ሓላፍነታውን ሞራላውን ግብኦም ድማ ኣማስያ ዝዘርእዎ ክዓጽዱ ምኻኖም ንሓንቲ ካልኢት ዝጠራጠር ህዝቢ የልቦን::

ንምጥቅላል እንተዞም ሕድሪን ባንደራን ሃገርን ጾር ኮይንዎም ንዝሰገርዎ መዋእል ጸላም እንከይረስዑ ’’ጻማ ከርተትና ብግዝኣተ ሕጊ እትምራሕ ሓዳስ ሃገር ንሓድሽ ወለዶ ምርካብ’ዩ’’ ዝብሉ ከምቶም ዝኑባት መጋድልቶም ሕድሪ ሰማእታት ረሲዖም ጣዕሚ ነብሶም ዝሓስቡ ኣብ ድኻ ሃገር ብዘመናውያን ናይ ውልቅን መንግስትን መካይን ዝሕንብጡ ዘይኮኑስ ንህዝቢ ዝሓልዩ ምኻኖም ህዝቢ ኣጸቢቁ ፈሊጥዎም እንሆ:: ነገር ግን ንግዚኡ ከም ነውራማት ’’ዕጥቂ ዘዝለቁ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒት ዝሓስቡ’’ ተባሂሎም ማዕበላዊ ጠቐነ ወሪድዎም ኔሩ: ዛጊት ግዳ ’’ሓቅስ ብርእሳ ተቀበርካያስ ብእግራ ትወጽእ’’ ተባሂሉ ዝተመሰለሉ ፍጻመ ኮይኑ:: ውጽኢት ውልቀ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ግና ማንም ዝፈልጦ ስዓብቲ 15 ንምጭዋይ ለይቲ ብከውታ መዓልቲ ብጨው ቀትሪ ዋኒን መንግስታዊ ጽላታት ተረሲዑ ኤርትራ እዛ ማዕረ ዓለማ ክትከውን ዝደኸምናላ ሃገር ዜጋታታ ዝጭወይላ ገሃነም ኮይና ትርከብ:: ውርደት ይብልኹም ከምዚ’ዩ:::

ኣብ ዝቕጽል የራኽበና

ቢንያም ደበሳይ