ጋዜጣዊ ዋዕላ ምስ ሓለፍቲ እተን ሽውዓተ ውድባት
ኣብ ትሕቲ ጽላል" ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ውህደት" ዝሓበሩ
ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ፍ.ገብረሂወት
ካርቱም
03/03/05
ኣብ ኣኼባ ምሕዝነት ካብ ዝሳተፋ ዘለዋ እተን ሽውዓት ውድባት ኣብ ትሕቲ "ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ውህደት" ኣብ ዝብል ስም ተጠርኒፈን ክሰርሓ ኣዋጅ ምውጸአን ዝፍለጥ እዩ።እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድነት ነዚ ኣብ ምምስራት ዘሎ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሓይሊ ከምዚህቦ ዓብይ ተስፋ እዩ።እዘን ውድባት ናብዚ ውህደት ዝብቐዐን ቐንዲ ምኽንያት ኣብ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሞራል ናይ ህዝቢ ክብ ምእንቲ ክብልን እታ ዝተመረጸት ኮሚቴ ዝወሰነቶ ክቅበሉ ቃል ብምእታዎም እዩ። ነዚ ብዝምልከት ሓለፍቲ እተን ውድባት ምስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣካይዶም ነይሮም። ጽማቕ ትሕዝቶ እነሆ፡
ኣቶ ሕሩይ ተላ፡ ሓላፊ ሰልፊ ተራዶዖ ኤርትራ(ሰ.ተ.ኤ)
እዚ ውህደት ኣቐዲምና ንዘራረበሉ ጉዳይ ዝነበረ እዩ ኢሉ።ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ከምእውን ጋሽ ሰቲት ተዘራሪብናሉ ነይርና።ስለዚ ኣብ ሓደ ለይቲ ዝመጸ ውጽኢት ከዘይኮነ ኣስሚርሉ።
ቐጻልነቱ ብኸመይ ክረጋገጽ ይኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ኣራኣያና ተመሳሳልነት ስለዘለና ብዙሕ ጸገም ዝፈጥር ኣይኮነን ኢሉ።ሃገራውነት ብምስፋን፡ ካብ ጥሩፍነት ነጻ ዝኾነት ኤርትራ ምህናጽ እዩ ።
ኣቶ እድሪስ ገሳ፡ ሓላፊ እስላማዊ ግንባር ኤርትራ (ገስገስቲ ሓይልታት ሓቂ)
እዚ ውድብ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ንውህደት ንጽውዕር ነይርና።ነቲ ስራሕ’ውን ኣድማዕነት ክምዝገብሮ ንኣምን።ቐንዲ ሕመረት ናይዚ ውህደት ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን እዩ ኢሉ።ኣራእያ ናህና እስላማዊ ኣታሓሳሰባ ዝሕመረቱ እዩ፡። እንተኾነ ግን እዚ ውህደት ነዚ ዝተበገስናሉ ዕላማ ስለዘይትንክፎ ክንሰምር ወሲና።ነዚ ንምግባር ሓደ ሓደ ነገራት ሕድጋታት ክትገብር ናይ ግድን እዩ ክብል መግለጺኡ ደምዲሙ።
ሸኽ ኣደም መጃውራይ፡ ሓላፊ ሰልፊ እስላማዊ ስኒት ኤርትራ
ውድብኩም ክብገስ ከሎ ነቲ ዝተበገስክምሉ ዕላማ ንምዕዋት እዩ ነይሩ።እንተኾነ ግን ኣብዚ ውህደት ምእታው ነቲ ዕላማኹም ኣይሀስሶ ዶ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ንሕና ከም ኩሎም ኤርትራውያን ንመስልና ንቃለስ ነይርና፡ ናህና ቃልሲ ካብ ካልኦት ውድባት ፍሉይ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፡ ናይ ሓባር ኣራኣያ ናይ ሓባር መትከል ክሳብ ዝሃለወ ሓቢርካ ምቅላስ ኣገዳሲ ይገብሮ ኢሉ። ብምቕጻል እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውህደት ነቲ ንሕና ተበጊስናሉ ዘለና ቃልሲ የትርሮ እምበር ኣየሕስሶን እዩ ክብል ኣረጋጊጹ።
ዶክተር ዑስማን ኣቡበከር፡ ሓላፊ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር
ሓድነት ብቀሊል ኣይርከብን ድሕሪ ምባል፡ ብሰንኪ ምፍንጫልና ኡዩ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ክትወድቅ ዝኻኣለት ኢሉ።ከምተመክሮ ኢሉ ንሱ፡ ናኣሽቱ ነገራት ገዲፍካ እብቲ ዝዓበየ ነገር ምስምማዕ ጽቡቕ ብምዃኑ ናብዚ ውህደት ክነጽሕ ክኢልና ። እቲ ጉዳይ ሓንቲ ኢድ ባይና ከተጣቕ ስለዘይትኽእል ካኣ እዩ ክንሰምር ዘገደደና ኢሉ። ዝተፈላለየ ውድባት ብዝተፈለየ መንገዲ ቓልሶም የካይዱ እዮም ከም ወታደራዊ ወይ ፖለቲካዊ፡ ሕጂ ንስኹም ምስ ሰመርኩም ብኸመይ ኢኹ ቃልስኩም ክትቕጽሉ ንዝብል ሕቶ ፡ ንሕና ብዝተፈላለ መገድታት ቃልስና ከነዕውት ክንጽዕር ኢና ድሕሪ ምባል እቲ ዝዓበየ መገዲ ግን ህዝቢ ከፈልጥን ተቃውሞ ከስምዕ ብማዕከናት ዜና ጎስጓስ ምግባር እዩ።
ዓብዱራህማን መሃመድ ዓሊ፡ ሓላፊ ስሙር ሃገራዊ ውድብ
ንሕና ካብቶም ቐዳሞት ተቃለስቲ ኢና ድሕሪ ምባል ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ስሙር ኪዳን መስርትና ምንቕስቃስ ዝፈጠርና ኢና።ስለዚ ሓቢርካ ምስራሕ ዓብይ ተሞክሮ ኣለና፡ ንድግፎ ኢና። መራሕቲ ናይዚ ስሙር ግንባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣለዉ። ገሊኦም ኣብቲ መንግስቲ ስልጣን ሒዞም ኣለዉ ገሊኦም ካኣ በቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኖም ኣለዉ ኢሉ።ከምቲ ስምና ዝሕብሮ ካብ ቅድም ኣትሒዝና ንሕብረት ክንቓለስ ጸንሒና። እዚ ውጺታዊ ክከውን ሓደ ሓደ ነገራት ሕድገታት ክትገብር ናይ ግድን እዩ ክብል ኣገዳስነት ናይቲ ውህደት ገሊጹ።ቃልስኹም ብኸመይ ኢኹም ክትቅጽሉ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ነት ብሓይሊ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብሓይሊ ክትፈትሖ ከምዘለካ ንኣምን ኢሉ።ብምቅጻል እቲ ኣሎ ዝባሃል መገዲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይንብልን ኢሉ።እቲ እንወስዶ ስጉምቲ ኣብቲ ቁጠብ ጽልዋ ክህልዎ ናይግድን እኳ እንተኾነ ንሕና ካኣ ጆኦግራፊያዊ ኣቐማምጣ ኣብ ቐረባ ስለዘለና፡ እቲ ስርዓት ኣብ ጉድጓድ መቓብር ከምዘሎ ንኣምን ኢሉ።ንሱ ንሕና ፍሉይ ዘብለና ብቑዓት ካድረታት ኣለውና።ገሊኦም ኣብ ኤርትራ ተመሊሶም፡ ገሊኦም ኣብ ስደት ኣለዉ።ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዲክታተራዊ ስርዓት ዝኣተ ኣልዉ።ስለዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጽኑዕ መርበብ ርክብ ኣለና ክብል ምግለጺኡ ደምዲሙ።
ኣቶ እስማዒል ናዳ ፡ ሓላፊ ተቓውሞ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ
ኣነ ካብቶም ቐዳሞት መስረቲ ጀብሃ ኣብ 1960ዓብይ ተራ ዝተጻወትኩ እየ ድሕሪ ምባል ቃልስና ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ኮይኑ፡ድሕሪ ናጽነትውን ኣብ ኣካይዳ ኣቲ ስርዓት ለውጢ ስለዝይተራእየና ቃልስና ንቅጽል ኣለና።ኣብ ጋሽ ሰቲ ዘሎ ህዝቢ ካብ መሰላቱ ተሓሪሙ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ሕጂ ቆልሓታ ዘይገበረሉ ከባቢ እዩ።ነዚ ህዝቢ ካብ ጥሜት፤ድንቁርናን ድኽነትን ከነውጽኦ ንቃለስ ኣለና።ንሕና ነዚ ሕብረት ክመጽእ ዓብይ ተራ ዝተጻወትና ኢና።ካብዚ ሕብረት ኣድማዒ ውጻኢት ከምዝርከብ ንኣምን ድሕሪ ምባል እዚ ውህደት ዘይምእኹል ምሕደራ ዘማእኸለ ስለዝኾነ ምስቲ ናትና ዕላማ ዝዛመድ እዩ።ስለዚ ነዚ ንምዕዋት እቲ ኣሎ ዝባሃ ስጉምቲ እንተላይ ወታደራዊ ክውሰድ ነምን።
ይቆብ እንድሪያስ፡ ሓላፊ ተበግሶ ምንቅስቃስ ምሕዝነት ኤርትራ
መልእኽቱ ብተሌፎን ከምዚ ክብል ኣመሓላሊፉ፡ እዚ ሓሳብ ካብ ቅድም ዝጸነሐ ኮይኑ እዚ ጉባኤ ኪዳን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ።እዚ ካኣ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ።ነዚ ሃንቀዉታ ንምምላእ ዝተገበረ ዓብይ ታሪኻዊ ስጉምቲ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክብል ኣስሚርሉ።ብሓባር ሓድነትካ ኣትሪርካ ምቕላስ ድሌት ህዝቢ ምምላእ ማለት ኮይኑ ተቓወምት ውድባት ክፈልጠኦ ዘለዋ ግን ስልጣን ናይ ህዝቢ ምኻኑ፡ ንሕና ኣገልገልቲ ህዝቢ ምኻና ክፍለጥ ኣለዎ እሉ።
ኣብቲ ናይ ውክላና ዝተዋሃበ መንበር ፍትሓዊ ከምዘይነበረ ድሕሪ ምግላጽ።ንህዝቢ ኤርትራ ዓቐብ ምእንቲ ከይንኮኖ ነቲ ዝተዋሃበ ውሳነ ተቐቢልናዮ ክብል ኣስሚርሉ።ንሱ ብምቕጻል እዚ ውህደት ናትና ካብ ኪዳን ንዝመጸ ሕቶ መልሲ ዘይኮነስ ኣቐድም ኣቢሉ ክንሰርሓሉ ምጽናሓን ከፍለጥ ኣልዎ ኢሉ።እዚ ቻርተር ክታምና ዘንበርናሉ ኣብ መስረታዊ መትከላትና ስለዘሰማማዕና እዩ ብምባ ምልእኽቱ ደምዲሙ።
እዘን ውድባት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዘይምስምምእ ክሳብ ካብ ስነ ምግባር ወጻኢ ዝኮነ ጸርፍታት ክለዋውጣ ምንባረን ዝፍለት ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ነዚ ሰጊረን ብሓንስ ክዝትዩ፡ ኣብ ሓደ ገዛ ብሓንሳብ ሓቢሮም ክበልኡን ክሰትዩ ከዕርፉን ምርእይ ብሩህ ተስፋ ዝህብ እዩ።እቶም ዝተፈላለይ ኣራኣያ ኣብ ፖለቲካ፤ሃይማኖት፤ ብሄር ዝነበሮም ኣብ ሓደ ሃገራዊ ኣራእያ ምስማሮም ትጺቢት ህዝቢ ኣርውዮም ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ዘላ ኤርትራ ጮራ ብርሃን ከፊቶምላ።ጽሓይ መሊኣ ክትበርቕ ሃየ ተበገስ ህዝቢ።